ሩስያ ዝተኰሰቶ ቦምባታት ድሮን፡ ንመመንጨዊ ኒኵለራዊ ጸዓት ቸርኖቪል ሃሩሙ፡ ንብዙሕ ክፋል ትሕተ-ቅርጺ እቲ መመንጨዊ ጸዓት ከም ዘዕነወ ሮይተርስ ሓቢሩ።
እንተዀነ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ጨረርታ ከም ዘይወሰኸን ኣብቲ ንክለራዊ መምንጨዊ ጸዓት ከም ዘይሃረመን ፕረሲደንት ዩክሬን ቮልድይመር ዘለንስኪ ገሊጹ።
ሩስያ’ውን ብወገና ዩክሬን ኣብቲ ንሳ እትቆጻጸሮ ዘላ ደቡባዊ ክፋል ዩክሬን ንሓደ ሓይሊ መብራህቲ ከም ዘጥቅዐት ከሲስ ኣላ። ብመሰረት ብሩስያ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ዩክሬን፡ ኣስታት 50-ሽሕ ህዝቢ ብዘይ ሓይሊ መብራህቲ ተሪፉ ኣሎ።
ቅጥዒ