ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ር ምክልኻል ኣመሪካ “ንመሻርኽትና ኣይክንገድፍን ኢና”


ሚ/ር ሄግሰት ኣብ ዋዕላ ኔቶ
ሚ/ር ሄግሰት ኣብ ዋዕላ ኔቶ

ሚ/ር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ነቲ “ፕረዚደንት ትራምፕ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታት ኣብ ምትዕርራይ ወታሃደራዊ መርገጺ፡ ከም ምንስሓብ ገይሮም ዝርእዩዎ ወገናት ግጉይ ርድኢት’ዩ፡” ክብሉ ገሊጾም።

መዝነት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ድሕሪ ምሓዞም በቲ ጽፍሒ ኣብ ፈላሚ መንገሽኦም ኣብ ሽቱትግራት ጀርመን’ዮም ሄግሰት ነዚ ቃል ኣስሚዖም።

“ንዘለና ኣቃውሞ ምትዕርራይ ካብ ምክያድ ድሕር ኣይንብልን። እዚ ማለት ግን ኣመሪካ ትወጽእ ኣላ ዝብል ርድኢት ዘለወን ሃገራት ግጉይ’ዩ። ኣመሪካ ክትዕዘብ፡ ክትምደብ፡ ቀዳምነታ ክትሰርዕን ግጭታት ክትገትእን” ትኽእል’ያ ኢሎም ሄግሰት።

ሄግሰት ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ክሳብ ሓሙስ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝቃናዕ ዋዕላ ሚኒስተራት ምልክልኻል ኪዳነ ሰሜትን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንምስታፍ’ዮም ናብ ኤውሮጳ ገይሾም። ኣብቲ ኣብ ባራስለስ ዝቃየድ ዘሎ ርክብ ኣስታት 50 ሃገራት፡ ወራር ሩስያ ንምግታእ ንዩክሬን ክሕግዛ መብጽዓ ኣትየን ኣለዋ። እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ነቲ ኪዳንን ደምበ ኤውሮጳን ነብሱ ናይ ምክልኻል ኣገባባቱ ከሐይል ከዘኻኽሩ ትጽቢት ይግበረሉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG