ሰሉስ ንመራሒ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላ ካልኣይ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ዘዘራረበ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንወሽጥመ ቓዛ ተቖጻጺራ ከተልምዕን ነበርታ ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምግዓዝ ድሌትን ከም ዘለዎ ደጊሙ ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ርክብ፡ ንሓሳቡ ፍልስጤማውያን’ውን ኣብ መወዳእታ ከም ዝሕጐሱሉ ገሊጹ። እንተዀነ ንጉስ ዮርዳኖስ ድሕሪ’ት ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝገበሮ ርክብ ሃገሩ ንፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ከየግዓዝካ ምህናጻ ዝብል መርገጺ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሊግ ዓረብ ኣሕመድ ኣቦል ጌት ብወገኑ ንትልሚ ፕረዚደንት ትራምፕ ብትሪ ተቓዊሙዎ ኣሎ። እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ምግዓዝ ነቲ ዞባ ኣብ ሰንሰለታዊ ጎንጺ ከንብሮ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ “ሊግ ዓረብ ንኣስታት 100 ዓመታት ዝተቓለሰሉ መርገጺ ኣይቅይርን፡” ክብል ገሊጹ።
ንትልሚ ፕረዚደንት ትራምፕ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ከም ግብጺ’ውን ተቓዊመንኦ ኣለዋ።
ቅጥዒ