ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽረ እንዳስላሴ -- ኣብ መዘናግዒ ስፍራ ብዝተደርበየ ቦምባ 17 ቆሲሎም


ከተማ ሽረ እንዳስላሴ
ከተማ ሽረ እንዳስላሴ

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ናይ ክልል ትግራይ፡ ሰኑይ ምሸት ኣብ ሓደ መዘናግዒ ስፍራ፡ ሓደ ሰብ ብደርበዮ ቦምባ 17 ሰባት ቀሊልን ከቢድን መጓዳእቲ በፂሑዎም። በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ሰብ ከም ዘየለ ግን ሓላፊ ቤትፅሕፈት ፀጥታ እታ ከተማ ኣይተ በሪሁ ኣይዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ኣይተ በሪሁ ከም ዝገለፁዎ፡ “ሓረግ መናፈሻ” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ መዘናግዒ መናእሰይ ብዝተደርበየ ናይ ኢድ ቦንባ ወዲ 10 ወርሒ ህፃን ዝርከቦም 17 ሰባት ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ከምዝበፅሖም ሓቢሮም። ብዘይካ እቶም ክልተ ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም እቶም 15 ተሓኪሞም ናብ ገዘኦም ከምዝተመለሱ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መዛናግዒ ቦታ ቅድሚ ስለስተ ሰሙናት ተመሳሳሊ ነታጒ ተደርብዩ ምንባሩ ዝገለፁ ኣይተ በሪሁ በቲ ፍፃመ ግና ዝበፅሐ ጉድኣት ኣይነበረን ኢሎም።

ንወናኒ እቲ መዘናግዒ ኣይተ ባራኺ ሓጎስ፡ መንነቱ ዘይተፈለጠ ሰብ ቅድሚ ሕዚ ስልኪ እናደወለ ገንዘብ ዘይትህበኒ እንተዄንኻ ቦንባ ናብ ስራሕኻ ክደርቢ’የ እናበለ ብተደጋጋሚ የፈራርሖ ነይሩ ክብሉ ዝተዛረቡ ኣይተ በሪሁ ዛጊድ ግን መንነት እቲ ሰብ ክፍለጥ ዘይምኽኣሉ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ጉዳይ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ተቐዪዶም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ንምስማዕ መልግቦ ሰዓቡ፤

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:01 0:00

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG