ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀይ.ዲ. ቫንስ ኣብ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ልዑል ቍጽጻር ከይህሉ የጠንቅቕ


ምኽትል ፕረዚደንት ቫንስ
ምኽትል ፕረዚደንት ቫንስ

ፓሪስ ኣብ ዝቃናዕ ዘሎ ዋዕላ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ሎሚ ሰሉስ መደረ ዘምስዐ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ፡ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝግበሮ ክቱር ቍጽጽር ናብ ዓፈና ከይከይድ ዘለዎ ስጋኣት ኣካፊሉ። እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ኣብ ትሕዝቶ ዝግበር ምክትታል ምስ ምጽጻይ ሓበሬታ (ሰንሰርሺፕ) ከም ዝመሳሰል ብምግላጽ፡ ሃገሩ ኣብቲ ጽላት መሪሕ ኢድ ክህሉዋ ከም እትደሊ’ውን ጠቒሱ።

ቫንስ ኣብ መደረኡ፡ መሰል ብሕትውናን ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለ ዝዀነ ኣብኡ ንምስራሕ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዋዕላ ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን’ውን ነቲ ዝተጠናነገ ቢሮክራሲ እቲ ደምበ ብምምልካት፡ ንምቅላሉን ንምሽልሻሉን ክስርሓሉ ከም ዘድሊ ቃል ኣስሚዑ ነይሩ።

ንኣመሪካ፡ ቻይናን ህንዲን ዝሓወሰ፡ ኣብ ፓሪስ ዝቃናዕ ዘሎ ዋዕላ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ተወከልቲ ኣስታት 100 ሃገራት ዝትረኽቡሉ’ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG