ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

10 ሰብ ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ክሊ ኣየር ኣላስካ ብምዝዋራ ድልያ ይቅጽል ኣሎ


ኣዝዩ ቆራሪ ዝዀነ ኣላስካ፡ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺታቱ ብነፋሪት ምጕዓዝ ጥራይ'ዩ
ኣዝዩ ቆራሪ ዝዀነ ኣላስካ፡ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺታቱ ብነፋሪት ምጕዓዝ ጥራይ'ዩ

ሓደ ኣብራሪን ትሽዓተ ተሳፈርቲን ሒዛ ኣብ ኣላስካ ንፍቀ-ክቢ ኣርክቲክ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ሓሙስ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ምስ ተሰወረት ኣሰራ ንምርካብ ድልያ ይቕጽል ኣሎ። እታ ነፋሪት ወዲቓትሉ ክትከውን እትኽእል ስፍራታት ኣባላት ጠጥፋእቲ ሓዊ ኣመሪካ ይፍትሹ እኳ እንተለዉ፡ ዛጊት ግን ኣሰር ኣይረኸቡን።

እታ ሰዓት 2፡37 ዝነቐለት ነፋሪት ድሕሪ ሰዓት ኣቢላ’ያ ካብ ክሊ ቍጽጻር ወጺኣ--ብመሰረት ሓበሬታ መጓዓዝያ ኣየር።

ኣብቲ ኣዝዩ ቆራሪ ቦታታት ዝዀነ ኣላስካ፡ ብኻልእ መንገዲ መጕዓዝ ከቢድ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ከምዚ ዝመስል ወቕትታት እቲ ኣማራጺ ነፋሪት ጥራይ’ዩ።

ምስዋር ነፋሪት ኣላስካ፡ ነቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ መጓዓዝያ ኣየር ኣመሪካ ተወሳኺ ጽዕንቶ’ዩ። ጥሪ 29--ቅድሚ 9 መዓልታት ምዃኑ’ዩ--ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ 67 ዝቐተለ ሓደጋ ነፋሪትን ድሕሪኡ ድማ ኣብ ፊላደልፊያ ሽዱሸተ ሰባት ዝወሰደ ሓደጋን ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ፍጻመታት’ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG