ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሃገሩ ንምዕራፍ ዘለዎ ድልውነት ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድየመር ዘለንስኪ፡ ንምኽታም እቲ ደማዊ ኲናት ምስ ሩስያ ንምዝርራብ ድሉው ምዃኑ ብምምልካት፡ ከም ቅድመ-ኩነት ግን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ኣካል’ቲ ዝርርብ ክዀና ከም ዝደሊ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ቅድሚ ሎሚ ዝዀነ ዘተ-ሰላም ንኽጅመር፡ ሩስያ ካብ መሬት ዩክሬን ጠቕሊላ ንኽትወጽእ’ዩ ከም ቅድመ-ኩነት ከቕርብ ጸኒሑ። ኣብ ቀረባ እዋን ግን ነቲ ኲናት ዝዓርፈሉ መንገዲ ክቀላጠፍ ጥራይ’ዩ ዝጠልብ ዘሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ሰፊሕ መሬት ዩክሬን እትቆጻጸር ዘላ ሩስያ ብወገና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን "ንኣርባዕተ ኣካላት ዘጠቓለለ ዘተ ምክያድ ግዜኡ ዘይኣኸለ’ዩ፡" ትብል።
ሩስያ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ናይ ስልጣን እዋኑ ኣብ ግንቦት 2024 ስለ ዘብቅዐ፡ ከም መራሒ ሃገር ምስኡ ክትዘራረብ ድልውቲ ከም ዘይኰነት’ታ እትገልጽ።
ኣብቲ ኲናት ዩክሬን ልዕሊ 45-ሽሕ ሰራዊታ ከም ዝተቐትሉዋን ልዕሊ 390-ሽሕ ድማ ከም ዝቖሰሉን ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠየቕ ገሊጹ ነይሩ። ሩስያ ክሳብ 350-ሽሕ ዝበጽሑ ወታሃደራት ከም ዝተቐትሉዋ’ዩ ዘለንስኪ ዝኣምን--ከም ጸብጻብ ሮይተርስ።
ቅጥዒ