ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽወደን -- ብኣልማማ ተዅሲ 11 ተቐቲሎም፡ 5 ቆሲሎም


ነበርቲ ንግዳያት እቲ ጃምላዊ ቅትለት ሽምዓ ይውልዑ
ነበርቲ ንግዳያት እቲ ጃምላዊ ቅትለት ሽምዓ ይውልዑ

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሽወደን "ዝኸፍአ ጃምላዊ ቅትለት" ብዝተሰየመ፡ ብሰሉስ ብሓደ ዕጡቕ ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ተዅሲ ብረት፡ ንኣጥቃዒ ሓዊሱ፡ ዛጊት 11 ቀቲሉ፡ 5 ድማ ኣቝሲሉ። ክሳብ ሕጂ ድርኺቱ ዘይተነጸረ ዘሎ ኣጥቃዒ፡ ኣብ ሓደ ዓበይቲ ዝመሃሩሉ ማእከል’ዩ ነቲ ጃምላዊ መቐተልቲ ፈጺሙ።

ካብቶም ዝደሓኑ ሰለስተ ኣንስቲን ክልተ ሰብኡትን ሕክምናዊ ረዲኤት ድሕሪ ምርካቦም ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም ዘለዉ ሰብ-መዚ ሕክምና ኣመልኪቶም። እንተዀነ ክልተ ካብቶም ቍሱላት ገና ካብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ኣይተፋነዉን።

ካብ ስቶኮሎም ኣስታት 200 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦረብሩ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ስፍራ፡ ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሞያዊን ካልእ ስልጠናታት ከም ናይ ቋንቋን ዝህብ ቤት ትምህርቲ’ዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ፡ ሃገራዊ ፈተና ወሲዶም ንገዛኦም ድሕሪ ምኻዶም'ዩ ተፈጺሙ። ድርኺት እቲ መጥቃዕቲ ዘጻርዩ ዘለዉ ፖሊስ ሽወደን ዛጊት ውጽኢት ምርመራኦም ኣየካፈሉን።

ህዝቢ ንኸይሰናበድን ዘይተጻረየ ሓበሬታ ካብ ምክፋል ክቝጠባን ዘዘኻኸረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ “ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት፡ ኣብ ታሪኽ ሽወደን ዝኸፍአ ጃምላዊ ተዅሲ፡” ክብል ገሊጹዎ።

ኣብ ሽወደን ከምዚ ዝመሳሰል ብብረት፡ እሞ ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸም ጃምላዊ ቅትለት ልሙድ ኣይኰነን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG