ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሰኽ ግብሪ ኣብ ልዕሊ ንብረት ቻይና ተግባራዊ ኰይኑ፡ ቻይና ተመሳሳሊ ውሳነ ወሲዳ


ሰሉስ ተግባራዊ ዝዀነ ወሰኽ ግብሪ ንብረት ቻይና
ሰሉስ ተግባራዊ ዝዀነ ወሰኽ ግብሪ ንብረት ቻይና

ዘይሕጋዊ ፈንታኔል ብመንገዲ መክሲኮ ኣቢላ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ እኹል ክልከላ ኣይገበረትን ዝተባህለት ቻይና፡ ከም ኣምሳያ ናይቲ ጥፍኣት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ 10% ወሰኽ ግብሪ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ገይሩ። ቻይና’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ከሰልን ዝተጻረየ ነዳዲን ናይ 15% ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ሕርሻን ካልእ መሳርሒ ንብረት መካይንን ናይ 10% ወሰኽ ከም እትግብር ኣፍሊጣ።

ብወገን ቻይና ዝግበር ወሰኽ ግብሪ ካብ መዓስ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ግን ዛጊት ኣይነጸረን።

ምስ ክልተ መራሕቲ ብሰኑይ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሉ መክሲኮን ካናዳን ኣሚሙዎ ዝነበረ ወሰኽ ግብሪ ብሓደ ወርሒ ኣናዊሑዎ’ዩ። መክሲኮ 10-ሽሕ ሰራዊት ብምውፋር ንስግረ-ዶብን ምስግጋር ዘይሕጋዊ ዕጸ-ፋርስን ደው ከተብሎ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ ኣላ። ካናዳ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ክልከላ ዓቢ ስጉምቲ ከም እትወስድ ጠቒሳ ኣላ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ኣብ ቀረባ እዋን ንምዝርራብ መደብ ከም ዘለዎ ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ዝወጽአ መምርሒ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG