ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ምስ መራሕቲ ካናዳን መክሲኮን ክዛራረብ ምዃኑ ኣመልኪቱ


ባንዴራ ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ
ባንዴራ ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ

ቀዳም ኣብ ልዕሊ ካብ መክሲኮን ካናዳን ዝኣቱ ንብረት ናይ 25%፡ ካብ ቻይና ድማ ተወሳኺ 10% ግብሪ ዝኣወጀ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ሰኑይ ምስ ክልተ መራሕቲ ሃገራት ንምዝርራብ መደብ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ ምእዋጅ ተወሳኺ ግብሪ ኣብዘን ሰለስተ ዓበይቲ ሃገራት፡ ባጤራታት ፔሶን ዶላር ካናዳን ከንቆልቍልን ዕዳጋታት ዓለም ድማ ክነቓነቐን ተራእዩ’ዩ።

ብሰንበት ካብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃበ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሰኑይ ንግሆ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ፡ ድሒሩ ድማ ምስ ፕረዚደንት መክሲኮ ንምዝርራብ መደብ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ነቲ ወሰኽ ግብሪ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ፡ “ኣመሪካ ደጊመና ብልጽግቲ ኣብ ምግባር ዝግበር ቃልሲ፡ እንኸፍሎ ዋጋ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ ነይሩ። እንኮላይ ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ግን እቲ ጽዕነት ኣብ ኣመሪካውያን ዜጋታት ክወርድ ምዃኑ ኣሚቶም ኣለዉ።

ተወሳኺ ግብሪ ዝተበየነለን ሰለስተ ሃገራት ንሳተን’ውን ተመሳሳሊ ቀጻዒ ስጉምቲ ክወስዳ ምዃነን ኣመልኪተን’የን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG