ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኣብ እታዎት ንብረት መክሲኮን ካናዳን 25%፡ ቻይና ድማ 10% ወሰኽ ግብሪ ኣንቢሩ


ቀዳም ነቲ ወሰኽ ግብሪ ዝፈረመ ፕረ. ትራምፕ
ቀዳም ነቲ ወሰኽ ግብሪ ዝፈረመ ፕረ. ትራምፕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳን መክሲኮን ዝኣቱ ኣቑሑ 25 ሚእታዊ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣቱ ንብረት ድማ ናይ 10 ሚእታዊ ቀረጽ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ንክትግበር ቀዳም ፈሪሞም።

እዚ ወሰኽ ግብሪ ብፍሉይ ካብ ካናዳን መክሲኮን ንዝኣቱ ዘይተጻረየ ነዳዲ ግን 10% ጥራይ’ዩ ክኸውን።

“ኣመሪካውያን ንምድሓን” ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣካፊሎም። እተን ሰለስተ ሃገራት ንቐታሊ መድሃኒት ፈንታንይል ዘገልግል ጥረ-ነገራትን ወራር ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ብምፍቃድ ንኣመሪካን ኣመሪካውያንን ሃስካ ከም ዝገበራ ፕረዚደንት ትራምፕ ይገልጽ።

ካናዳ ብተመሳሳሊ ካብ ኣመሪካ ንዝኣቱ ንብረት ናይ 25% ግብሪ ከም እትግበር ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስትሪን ትሩዶ ገሊጹ። መክሲኮ’ውነ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከም እትወስድ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣመልኪታ። ቻይና ግን ነቲ ጉዳይ ናብ ውድብ ንግዲ ዓለም ወሲዳ ብሕጋዊ መንገዲ ክትፈትሖ ከም እትደሊ’ያ ነጊራ።

እዚ ሃንደበታዊ ወሰኽ ግብሪ፡ ነቲ ድሮ ተሃስዩ ብዝቕባብ ዝሳቐ ዘሎ ቁጠባ ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ መሊሱ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ክኢላታት ስነ-ቍጠባ ይጠቕሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG