ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ነፋሪት ፊላደልፊያ ሸውዓት ሰባት ቀቲሉ


ጥንቂ እቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን
ጥንቂ እቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን

ዓርቢ ምሸት ካብ ማዕርፎ ነፍርቲ ፊልደልፊያ ዝነቐለት ንእሽቶ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ፡ ኣብኣ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሰባትን ኣብ መሬት ዝጸንሐን ካልእ ሰብን ሓዊሳ ብድምሩ ንሸውዓተ ሰብ ቀቲላ። ብዘይካ እቶም ዝሞቱ፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኣብ መሬት ዝነበሩ’ውን 19 ሰባት ቆሲሎም ምህላዎም ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሽዱሽተኦም ዜጋታት መክሲኮ ኰይኖም፡ ኣርባዕተ ኣባላት በረራ፡ ሓደ ሓኪምን ምስ ኣደኡን ምንባሮም ሮይተስ ኣስፊሩ።

ሓደጋ ነፋሪት ፊላደልፊያ ክልተ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ዘጋጠመን ህይወት 67 ሰባት ዝወሰደን ምግጫው ክልተ ነፈርቲ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

እዚ ዝደሓረ ሓደጋ ናይ ፊላደልፊያ፡ እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ኣብ ሓጺር ርሕቀት’ዩ ኣጋጢሙ። ጥንቂ ናይቲ ሓደጋ ድማ ይጻረ ምህላዉ ሮይተርስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG