ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤም-23 ገስጋሶም ይቕጽሉ፡ ጎንጺ ክዓርፍ ጻውዒት ይሕይል


ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23 ዘላ ከተማ ጎማ
ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23 ዘላ ከተማ ጎማ

ብሩዋንዳ ዝድገፉ ደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23፡ ንዓባይ ርእሰ-ከተማ ጎማ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ሎሚ ዓርቢ፡ ካልእ ዓባይ ከተማ ንምሓዝ ይግስግሱ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ።

ኣዛዚ እቲ ኣሃዱ ክሳብ ኪንሻሳ ክቕጽሉ ምዃኖም ኣብ ቀረባ እዋን ኣመልኪቱ’ዩ። እታ ካብ ማዕድናት ኮንጎ ዓቢ ረብሓን ምዝመዛን ትገብር ከም ዘላ እትንቀፍ ሩዋንዳ ድማ ኣብ ጃምላዊ ህልቂት 1994 ዝተሳተፉን ናብ ኮንጎ ዝሃደሙን ዜጋታታ ፈጺማ ክሳብ እትድምስስ ክትቅጽል ምዃና’ያ እትገልጽ።

ገስጋስ ኤም-23 ነታ ኣብ ምብራቕ ደሞክራሲያዊት ኮንጎ ንጎማ ስዒባ ዝዓበየት ከተማ ምዃና ዝንገረላ ቡካቩ ንምቍጽጻር’ዩ ዘሎ። እዛ ዓባይ ከተማ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ ኰይኑ፡ ክሳብ ዝደሓረ ሓበሬታ እቲ ውግእ ካብታ ከተማ ኣስታት 30 ኪሎሜተር ርሒቑ’ዩ እቲ ውግእ ዝካይድ ዘሎ።

“ዓጸፌታ” ግብረ-መልሲ ክህብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝነገረ ፕረዚደንት ኮንጎ ፈሊክስ ቲሽከዲ፡ ድሕሩ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

እንተዀነ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፡ ሩዋንዳ ካብቲ ግጭት ክትስሕብ ደጋጊመን ይጽውዓ ኣለዋ። ብሪጣንያ ንሩዋንዳ እትህቦ ሓገዝ ደጊማ ክትሓስበሉ ምዃና ኣመልኪታ ኣላ።

ሓይልታት ኤም-23 ዜጋታት ኮንጎ እምበር ሩዋንዳዉያን ከም ዘይኰኑ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ደጋጊሙ ነጊሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብኣቦ-መንበር ደምበ ደቡባዊ ኣፍሪቃ (ሳድክ) ፕረዚደንት ዚምባባወ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ዝተመርሐ ርክብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሃራረ ዚምባብወ ተቓኒዑ ኣሎ።

እዚ 16 ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝሓዘ ደምበ፡ ነዚ ህጹጹ ኣኼባ ዝገብር ዘሎ ጎንጺ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ካልእ ዞባዊ መልክዕ እናሓዘ’ውን ስለ ዝመጽአ’ዩ። ኣብ ሰሜን ኪቩ ሓይልታት ዓቃብ-ሰላም ሳድክ ድሕሪ ምውፋሮም፡ ካብ 2023 ንደሓር ጥራይ 16 ኣባላት እቲ ኣሃዱ ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብኣቶም 13 ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ሰለስተ ድማ ካብ ማላዊ’ዮም።

ረቡዕ ምሸት፡ ብፕረዚደንት ኬንያ ዝተመርሐ ደምበ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ’ውን ተመሳሳሊ ኣኼባ ገይሩ ምንባሩ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG