ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ -- ንመርገጺ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ዝድግፍን ዝቃወምን ሰልፍታት ተኻዪዱ


ሰንበት ኣብ መቐለ -- ድጋፍ ንመርገጺ ወታሃራውያን መራሕቲ
ሰንበት ኣብ መቐለ -- ድጋፍ ንመርገጺ ወታሃራውያን መራሕቲ

ሓሙስ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ጸጥታን ትግራይ ድሕሪ ዝገበሩዎ ዕጹው ርክብ፡ “ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተሰከሞ ሓላፍነት ጠሊሙን ስልጣኑ ዘንጊዑን፡” ዝብል መርገጺ ድሕሪ ምውሳዶም፡ ንዕኡ ስዒቡ ኣብ በበይኑ ከተማታት ትግራይ ንመርገጺኦም ዝድግፍን ዝቃወምን ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ። ሎሚ ሰንበት ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ብዙሕ ህዝቢ ዝተረኽቦ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ንመርገጺ ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ውድብ ህወሓት ብምድጋፍ፡ ግዜያዊ ምምሕድር እቲ ክልል ክመዓራረ ዝጠልብ ጭርሖታት ኣስሚዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ውቕሮን ዓዲግራትን ነቲ መርገጺ ዝድግፉን ዝቃወሙን ሰልፍታት ክርኣዩ እንከለዉ፡ ምስቲ ናይ መቐለ ዝመሳሰል ናይ ድጋፍ ሰለማዊ ሰልፍታት’ውን ኣብ ዓድዋ፡ ሽረ እንዳ ስላሴ፡ ዓቢይ ዓዲ፡ እንትጮን ካልኦት ከተምታትን’ውን ብተመሳሳሊ መሪሕነት ግዜያዊ ምምሕዳር ክተዓራረን ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክትግበርን ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ማይጨው፡ ኮረም፡ መኾኒን ጨርጨርን ንምትእትታው ወታሃደራዊ መራሕቲ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሲቪላዊ ምምሕዳርን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ። ንዝርዝሩ መላግቦ ሰዓቡ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG