ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳግማይ ዝተላዕለ ባርዕ ጫካ ካሊፎርኒያ ልዕሊ 50-ሽሕ ነበርቲ የመዛብል


ባርዕ ጫካ "ህዩስ" ካብቲ ዝቐደመ ዝፍለ ምዃኑ ሰብ-መዚ መጥፋእቲ ሓዊ ይነግሩ
ባርዕ ጫካ "ህዩስ" ካብቲ ዝቐደመ ዝፍለ ምዃኑ ሰብ-መዚ መጥፋእቲ ሓዊ ይነግሩ

“ህዩስ” ዝተሰየመ፡ ረቡዕ ንግሆ ዝጀመረ ባርዕ ጫካ ከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ፡ ነቶም ዝለዓለ ኢድ ሒዞም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ፡ ንኣስታት 16 ትርብዒት ማይላት (41 ትርብዒት ኪሎሜተር) ኣብ ዝርከበ ጣሻ ሃሚዅ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣስታት 50-ሽሕ ነበርቲ ድማ ካብ መንበሪታቶም ክወጽኡ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ። ካስታይክ ሌክ ዝተባህለ ዝተሓደሰ ባርዕ ዘጥቅዖ ዘሎ ኣከባቢ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ብኢቶን ዝተሰምየ ባርዕ ጫካ ዝተሃመዀ ኣስታት 40 ማይላት ዝርሕቕ’ዩ።

ረቡዕ ዝተራእየ ባርዕ ካብቲ ን16 መዓልታት ንሎስ-ኣንጀለስ ዝሃመዀ ዝፍለ ምዃኑ ሓላፊ ጉጅለ መጥፋእቲ ሓዊ ኣከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ ሓቢሩ።

ትንበያ ኩነታት ኣየር ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ ዝናብ ክሃርም ምዃኑ ኣሚቱ ስለ ዝጸንሐ፡ እቶም ብዝቐደመ ባርዕ ዝተሃስዩን ዝተመዛበሉን ወገናት ናብ መረበታቶም ኣብ ዝምለሱሉ እዋናት’ዩ እዚ ዝተሓደሰ ባርዕ ዘጓንፍ ዘሎ።

ብ7 ጥሪ ዝጀመረ ባርዕ ጫካ ሎስ-ኣንጀለስ ብውሑዱ 28 ቀቲሉ፡ ልዕሊ 14-ሽሕ ትሕተ-ቅርጺ’ውን ሃሚዅ’ዩ። እቲ ዝቐደመ ባርዕ ኢተን መብዛሕትኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሉ ወይ ድማ ካብቲ ህዝቢ ዝነብረሉ ኣከባቢታት ርሒቑ’ዩ ዘሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG