ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪየ፡ ኣብ ሓደ በዓል 12 ደርቢ መዘናግዒ ሆቴል ብዘጋጠመ ባርዕ ዛጊት 66 ሰባት ምማቶም ክፍለጥ እንከሎ፡ 51 ድማ ቆሲሎም ኣለዉ--ከም ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ።
እቲ ሰሉስ ንግሆ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ካርታልካያ ዝተባህለት ናይ ኣውራጃ ቦሉ ከተማ'ዩ ኣጋጢሙ።
ኣብቲ ሰዓት 3፡30 ወጋሕታ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ቱርኪየ ዝጀመረ ባርዕ፡ ኣብቲ ሆቴል 234 ኣጋይሽ ኣዕሪፎም ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ።
ምኽንያት ናይቲ ባርዕ ዛጊት ኣይተሓበረን። እንተዀነ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ናብቲ ቦታ ሓደ ሰዓት ኣቢሎም’ውን ስለ ዝመጽኡ ነቲ ሓደጋ ከምቲ ዝደለ ክከላኸሉ ዘይምኽኣሎም መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ይገልጹ።
ድሒሩ 30 መካይን መጥፋእቲ ሓዊን 28 ኣምቡላንሳትን ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምምጻአን እቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ውዒሉ’ዩ።
ቅጥዒ