መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ሰኑይ 20 ጥሪ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸመ ዶናልድ ትራምፕ፡ “ሰውራዊ” ንዝበሎ ሓድሽ ምምሕዳር ከም ዝጅምር ገሊጹ። ትራምፕ ኣብ መደረኡ “ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ሎም ይጅምር ኣሎ፡” ብምባል፡ ምምሕዳሩ ንኣመሪካ ናብቲ ዝለዓለ ጽፍሒን ቍጠባዊ ምርግጋእን ክመርሓ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ኣብቲ ብሰንኪ ክቱር ቀዝሒ ናብ ውሽጢ ኣደራሽ ዝተለወጠ ስነ-ስርዓት ቃለ-ማሕላ፡ ሓያሎ ናይ ቅድምን ህሉዋትን ሰብ-መዚ ኣመሪካ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝተዓደሙ ኣጋይሽ’ውን ነይሮም። ካብ መንጎ’ቶም ናይ ክብሪ ዕዱማት ምኽትል ፕረዚደንት ቻይና ሃን ዘንግ፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒ፣ ፕረዚነት ኣርጀንቲና ጃቬር ሚሌ፡ ፕረዚደንት ኢኳደር ዳኒኤል ኖቦዋ ይርከቡዎም።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ መንጎ’ቶም ኣብ መደረኡ ጸቒጡ ዝተዛረበሎም “ሸየጥጥቲ ሓሽሽን ካልእ ኣወላፊ ዕጸ-ፋርስን ሒዞም ንዝመጽኡ” ዝበሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘብቅዓሉ እዋን ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ። ትራምፕ ኣብ ዘረባኡ ሚልዮናት ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ክሰጉግ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነቶም ብመንገዲ መክሲኮ ኣቢሎም ንዝኣትዉ ስደተኛታት ንምዕጋት ድማ ክሳብ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዋጅ ከሕልፍ ምዃኑ ቃል ሂቡ።
ኣብ እዋን ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫን ድሕሪኡን ብዛዕባ ዝተዛረቦ ወሰኽ ግብሪ ካብ መክሲኮ፡ ካናዳን ቻይናን ንዝኣቱ ንብረት’ውን ደጊሙ ኣስሚሩ።
ወዲ 78 ዓመት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣቐዲሙ መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናይ ሓንቲ እብረ ብኩራት’ዩ ደጊሙ ስልጣን ሒዙ። ኣብ ታሪኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንኽልተ በበይኑ እብረታት መሪሕነት ዝሓዝጸ ቅድሚኡ ግሮቨር ክሊቭላንድ ጥራይ’ዩ።
ቅጥዒ