ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብፈኲስ ገበናት ኣወላፊ ሓሽሽን ካልእ ድሒሩ ዝተመሓየሸን መምርሒታት ተኣሲሮም ንዝጸንሑ 2,500 ዜጋታት ምሕረት ገይሩ።
እዞም ዛጊት ዝርዝሮም ወግዓዊ ዘይኰነ ተረባሕቲ ናይዚ ዝደሓረ ምሕረት፡ መብዛሕትኦም በቲ ዝጸንሐን ድሒሩ ዝተመሓየሸን ሕግታት ንነዊሕ እዋን ማእሰርቲ ተፈሪዶም ዝጸንሑ’ዮም።
እቲ ምሕረት ነቲ ስርዓተ ሕጊን ኣብያተ-ማእሰርቲን ኣመሪካ ይርአ ዝተባህለ ዘይመጣጠን ማእሰርቲ ዝቕልስ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ባይደን ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።
ሓበሬታ ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ከም ዘምልክቶ፡ ትራምፕ ሰኑይ መዝነት ክሳብ ዝርከብ ተሪፈን ኣብ ዘለዋ መዓልታት፡ ባይደን ተወሳኺ ምሕረትን ምሽልሻልን ክግበር መደብ ሒዙ ኣሎ።
ኣብ ዝመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ ዒላማ ክዀኑ ይኽእሉ ንዝተባህሉ ወገናት ኣብቲ ኣዋጅ ምሕረት ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ይእመን። ባይደን ኣብ ቀረባ እዋን ንወዱ ሃንተር ባይደን ምሕረት ከም ዝገበረሉ ዝዝከር’ዩ።
ቅጥዒ