ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር፡ ድሕሪ ናይ ወርሒ ኣብያ፡ ተኣሲሩ


ዩን ቅድሚ ናብ ማእሰርቲ ምምራሑ ንደገፍቱ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ቃል "ኣብዛ ሃገር ልዕልና ሕጊ ተባሕጒጉ'ዩ"
ዩን ቅድሚ ናብ ማእሰርቲ ምምራሑ ንደገፍቱ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ቃል "ኣብዛ ሃገር ልዕልና ሕጊ ተባሕጒጉ'ዩ"

ብ3 ታሕሳስ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ፡ ኣብ ገዛኡ ድፋዕ ደገፍቱ ሰሪሑ፡ ንቐይዲ ፖሊስ ክሰግር ዝጸንሐ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዩወል ኣብ መወዳታኡ ብፖሊስ ተቐዪዱ ንመርመራ ተወሲዱ ኣሎ።

እቲ ብደገፍቱን ሓለዋኡ ዝነበሩን ተኸቢቡ ኣብ ገዛኡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝጸንሐ መራሒ ነበር፡ “ክሳብ መወዳእታ ክቃለስ” ምዃኑ ንደገፍቱ ብምንህሃር’ዩ ዛጊት ኣብ መንበሪ ገዛኡ ተወሺቡ ጸኒሑ።

ዩን ብመርማሪ ፖሊስ ጸረ-ብልሽውና ካብ ገዛኡ ቅድሚ ምውሳዱ ብቪድዮ መሊኡ ኣብ ዝፈነዎ፡ “ኣብዛ ሃገር ልዕልና ሕጊ ፈጺሙ ተባሕጒጉ’ዩ፡” ኢሉ ነይሩ።

ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ዩን ንመዓልታት ወይ’ውን ንኣዋርሕ ተኣሲሩ ክጸንሕን ኣብኡ ድማ ዘድሊ ምርመራ ክግበርሉ ከም ዝዀነን ኣሶሸትድ ፕረስ ይሕብር።

ናዕቢ ብምልዓል ዝኽሰስ ዩን፡ ገበነኛ ኰይኑ ምስ ዝርከብ ካብ ሕልፈት ክሳብ ናይ ሞት ብይን ክጽበዮ ይኽእል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG