ረቡዕ ወጋሕታ ብኣቆጻጽራ ሰዓታት ሲዮል ደቡብ ኮርያ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ንዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበር ዩን ሱክ ዩወል ክኣስሩ ኣብ ዝመጽኡሉ ደገፍቱ ድማ መሊሶም ነቲ መንባሪ ከቢቦም ተራእዮም።
እንተዀነ ሓያሎ ደገፍቱን ኣባላት ሓለዋኡን ንምእሳር እቲ ፕረዚደንት ነበር ከልኪሎም እኳ እንተ ነበሩ፡ ሎሚ ግን ፖሊስ ንውሽጢ ኣትዩ መርመራ ክግበርን ኣጻራዪ ኮሚተ ድማ ኣትዩ ዘድሊ ስራሓቱ ከጻፍፍን ፍሉይ ሓይሊ ኣፍቂዱ’ዩ። ስለዚ ዘይ ከም ካልእ እዋን፡ ደገፍቱ ንማእሰርቲ ፕረዚደንት ነበር ዩን ክላኸሉ ኣይክእሉን’ዮም።
ኣቐዲሙ ሰሉስ ቀትሪ ንጉዳይ እቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዩን ዝርኢ መጋብኣያ ተኸፊቱ ውዒሉ። እንተዀነ እቲ ድሕሪ ኣብ ታሕሳስ 3 ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ዘሕለፈ ፕረዚደንት ነበር ካብ ገዛኡ ስለ ዘይወጽአ እቲ መጋብኣያ ተሰጋጊሩ ኣሎ።
ቅጥዒ