ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማሊያ ኣዲስ ኣበባ በጺሑ


"ፕረዚደንት ሓሰን እንቋዕ ብደሓን መጻእካ” --ኣዲስ ኣበባ 11 ጥሪ 2025
"ፕረዚደንት ሓሰን እንቋዕ ብደሓን መጻእካ” --ኣዲስ ኣበባ 11 ጥሪ 2025

ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ሎሚ ቀዳም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ክልተ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዞባዊ ክልተኣዊን ጉዳያት ኣተኲሮም ክዛራረቡ ምዃኖም ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማሊያ ኣብቲ ዑደት ኣመልኪቱ ዝወጽአ ዝቐደመ መግለጺ የመልክት።

ዑደት ፕረዚደንት ሓሰን፡ ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ 2024 ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምትፍናን በጺሑ ዝነበረ ዝምድና ክልተ ሃገራት፡ ብሽምክልና ቱርኪየ ዝሓለፈ 11 ታሓሳስ ድሕሪ ምምሕያሹ’ዩ።

ኣዋጅ ኣንካራ ንልኡላውነት መሬታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ብዘይጻባእ መንገዲ፡ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪን ወዳባትን ንክትጥቀም ዘኽእል ኣፈናዊ ስምምዕ’ዩ።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝጸብጸቦ፡ ናብ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ቦለ ኣብ ዝወስድ መንገዲ፡ “ፕረዚደንት ሓሰን እንቋዕ ብደሓን መጻእካ” ዝብል ጽሑፋትን ባንዴራ ክልተ ሃገራት ዘንበልንብል ዓንድታትን ተሰሪዑ ኣሎ።

ብመሰረት ካብ ቤተ መንግስቲ ሶማሊያ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምራሑ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ናብ ካማፓላ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ናይ ዩጋንዳን ዊልያም ሩቶ ናይ ኬንያን ኣብ መዳይ ሕርሻ ኣብ ዘተኰረ ዝርርብ ንምግባር ተረኺቡ ነይሩ።

“መንገሻ ፕረዚደንት ሓሰን ኣካል’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንኤርትራን ጂቡቲን ዝሓወሰ ዝሰፍሐ ዞባዊ ዑደን ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶን’ዩ፡” ይብል መግለጺ ቤተ መግስቲ ሶማሊያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG