ረቡዕ ምሸት ኣባላት ሰራዊት ኮማንዶ ምዃኖም ዝተሓበሩ ጉጅለ ንቤት መንግስቲ ድሕሪ ምጥቃዖም፡ መብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ጉጅለ ምዃኖም ዝተሓበሩ 19 ሰባት ተቐቲሎም--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።
ሎሚ ሓሙስ ግን እንጀመይና ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ምውዓላ እቲ ዜና ይውስኽ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ዝዀነ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ከም ዝብሎ፡ 24 ኣባላት ኮማንዶ፡ ብረት፡ ጎዘሞን ካራን ብምዕጣቕ ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ቤት መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። "ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለ ሲቪላዊ ክዳን ዝተኸድኑን ካብቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ወገናት ዝቕመጡሉ ስፍራ እታ ርእሰ-ከተማ ዝመጽኡን’ዮም፡" ክብል ወሃብ-ቃል ወሲኹ ኣሎ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ነቲ ወሃብ-ቃል ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ሓደ ኣባል ሓለዋን 18 ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙን ክሞቱ እንከለዉ፡ ሽዱሽተ ካብቶም ኣጥቃዕቲ ድማ ቆሲሎም።
ኣብቲ ንሰዓታት ዝኸደ ናይ ተዅሲ ልውውጥ፡ ፕረዚደንት እድሪስ ደብይ ኣብ ውሽጢ’ቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መንበሪ ከም ዝነበረ እቲ ወሃብ-ቃል ሓቢሩ።
ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ግን እቲ ተግባር ተዋስኦ’ዩ ብምባል፡ መንግስቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝግበሮ ቅድመ-ምጽላዋት ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ።
ቅጥዒ