መስራቲ ሰልፊ ርሑቕ የማናይ ክንፊ ፈረንሳዊ ዢን-ማሪ ለ ፐን ድሕሪ ምማቱ፡ ንሕልፈቱ ዝጽንብል ሓያሎ መደባት ብፖሊስ ፈረንሳይ ከም ዝተበተነ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ።
ሰዓታት ዜና ዕረፍቲ እቲ ኣከራኻሪ ፖለቲከኛ ድሕሪ ምቅላሑ፡ ኣማኢት ፈረንሳውያን ናብ ጎደናታት ብምውሓዝ ሪችታት ክትኩሱን ቻምፓን ክኸፍቱን ተራእዮም።
ንዜና ሕልፈቱ ዝጽንብል ጭርሖታት ዝሓዙ ተቓወምቱ ኣብ ናይ ፓሪስ ሜዳ ርፓብሊክ ክውሕዙ እንከለዉ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ነቲ ተግባር ብምዃናን “ብሞት ምጽንባል ኣሕዛኒ ተርእዮ’ዩ” ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ጽሒፉ። ሚኒስተር ምክልኻል ብወገኑ፡ “ፖለቲካዊ ቁርቁስ ናይ ዝሞቱ ዘየኰነስ ናይቶም ዝተረፉ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ዝሓለፉ ብኽብሪ ክንዝክር ጽቡቕ’ዩ፡” ኢሉ።
ኣብ ከተማ ልዮን፡ ኣብቲ ንሓጐስ ዕረፍቲ ለ ፐን ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 600 ተሰለፍቲ፡ መትሓዚ ጓሓፍን ካልእን ከቃጽሉ ስለ ዝተራእዩ ሸውዓተ ካብቶም ተሰለፍቲ ብፖሊስ ተቐዪዶም።
ድሕሪ ኣቦኣ መሪነት ናይቲ ርሑቕ የማናይ ሰልፊ ዝዀነት ጓሉ ማሪን ለ ፐን፡ ኣቦኣ ኣሽሓት ደገፍቱ ዘለዎም ኣኽብሮት ብምርኣይ ንሞቱ ይሓዝኑሉ ምህላዎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ጽሒፋ።
ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ብመቕርቡን ቤተሰቡን ንቐዳም ክፍጸም መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ቅጥዒ