ኣብታ ኣካል ቻይና ምዃና እትፍለጥ ቲበት፡ ሰሉስ ብዘጋጠመ ርእደ-መሬት 126 ሰባት ኣብ ዝቐተለሉ፡ 12-ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣድሕን ሬሳታት ንምውጻእን ዝተቐብሩ ንምድሓንን የጓየዩ ኣለዉ።
ኣብቲ ሰሉስ ኣጋ-ንግሆ፡ ናብ ኔፓል ኣብ ዘቀራረብ ከባቢ እምባ ኤቨረስት ዘጋጠመ ርእደ-መሬት ተወሰኽቲ 188’ውን ቆሲሎም ኣለዉ።
ማእከል ምክትታል ምንቅጣጥ ምድሪ ቻይና 6.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ከም ዝነበረ ክሕብር እንከሎ፡ ናይ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ትካል ግን እቲ መጠን ክሳብ 7.1 ሬክተር ከም ዝኸይድ’ዩ ኣመልኪቱ።
በቲ ሓደጋ ኣከባቢ 3600 ኣባይቲ ምዕናዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ ኣሎ። ድሕሪ’ቲ ሓደጋ፡ ልዕሊ 46-ሽሕ ንዝበጽሑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝወሓሰ ቦታ ንምቕማጦም ናይ ምግዓዝ መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ቦታ ኣዝዩ ቆራሪን ምሕድጉን ብምዃኑ ነቶም ኣብቲ ስራሕ ድልያ ተዋፊሮም ዘለዉ ልዕሊ 12-ሽሕ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣጸጋሚ ምህላዉ እቲ ዜና ይሕብር።
ቅጥዒ