ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝበዝሐ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ፡ ኣዝዩ ሓያል ቀዝሒ ሃሪሙ፡ ንሱ ዝፈጠሮ በረድን ውርጪን ድማ ንሓያሎ ኣገልግሎታት የተኣጓጉል ከም ዘሎ ኣሶሸትድ ፕረስ ኣስፊሩ። እዚ ተርእዮ ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ፍልይ ዘብሎ፡ ነተን ብተመጣጣኒ ዝሑል ሓጋይ’ውን ዘይገጠመን ዝነበራ ክፍለ-ሃገራት ከም በዓል ፍሎሪዳን ቴክሳስን’ውን ናብ ምድስካል ዝኸደ ዛሕሊ ይርኣየን ስለ ዘሎ’ዩ።
ሰሉስ ንግሆ ኣብ ቴክሳስ ክሳብ 20 ደግሪ ፋራንሃይት ወይ ድማ -10 ዲግሪ ሰንቲግረድ ዛሕሊ ከም ዝተመዝገበ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ የመልክት። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብተን ደቡባዊ ክፍለ-ሃገራት ከም በዓል ቴክሳስ፡ ኦኮልሃማ፡ ኣርካንሳስን ልዊዛናን ጽባሕ ረቡዕ’ውን ውርጪ ክወቅዕ ትጽቢት ከም ዝግበሮ ትንበያ ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ ኣሚቱ ኣሎ።
ትማሊ ሰኑይ ንሓያሎ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንኽዕጾ ድፍኢት ዝዀነ ሓያል ዛሕሊን ውርጪን፡ ብሰንኩ ኣብ በበይኑ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣመሪካ ክሳብ ልዕሊ 2,300 በረርታት ክዝረዝ እንከሎ፡ ልዕሊ 9-ሽሕ ድማ ምድንጓያት ጎኒፉዎ።
ትማሊ ሰኑይን ሎሚ ሰሉስን ኣብ ዝበዝሓ ምብራቓዊን ደቡባዊን ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ብሰንኪ ዘሎ ክቱር ቀዝሒ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽዩ’ዩ ዘሎ።
ቅጥዒ