ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ -- ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ዓፋርን 5.8ን 4.7ን ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ-መሬት ተመዝጊቡ


ብተደጋጋሚ ርእደ-መሬትን ተነጻል ነትጒ እሳተ-ጎመራን ኣብ ዝርኣዮ ዘሎ ክልላት ዓፋርን ኦሮሚያን፡ ክውርድ ካብ ዝኽእል ሓደጋ ንምውጋድ፡ ኣስታት 80-ሽሕ ህዝቢ እቲ ከባቢ ናብ ዝሓሸ መዕቆቢ ቦታ ክግዕዝ ምዃኑ ሰብ-መዚ ገሊጾም። ናብ ቀዳም ዘውግሕ ኣብ ኣምቦሳ ዝተብሃለ ክልል ኦሮሚያን 5.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ ኣዋሽ ፋንታለ ናይ ዓፋር ድማ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ-መሬት ከም ዝተራእየ ኣገልግሎት ስነ-መሬት ኣመሪካ ሓቢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ መሬትን ህዋ ሳይንስ ዝምህር ፕሮፈሰር ኣታላይ ኣየለ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ እቲ ምንቅርጥቃጥ ምድሪ ክሳብ 56 ኪሎሚተር ዝዝርጋሕ ሸፈነ ነይሩዎ።

እዚ ዝደሓረ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብዝበርትዐ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኦሮሚያን ደኣ የጋጥም እምበር፡ ኣብ በበይኑ ቦታታት ኢትዮጵያ ከም ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዳማ፡ መተሃራን ካልኦት ከተማታትን ከም ዝተሰምዐ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ብሰንኪ’ቲ ነትጒ እሳተ-ጎመራን ምንቅጥቃጥ ምድሪን ዛጊት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ክሳራ ኣይተመዘበን። እንተኾነ ንሓያሎ ኣባይቲ የዕንዩ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ብሕልፊ ኣብ ክልል ዓፋር፡ ሃንደበታዊ ነትጒ እሳተ-ጎመራ የጋጥም ስለ ዘሎ፡ ኣስታት 80-ሽሕ ዝበጽሑ ካብ 12 ምምሕዳራት ዝተዋጻኡ ዘጌታት ናብ ዝሓሸት ዝተባህለ ስፍራ ንምግዓዞም ይስራሕ ከም ዘሎ ከባብዋያን ምምሕዳራት ኣመልኪቶም።

መንግስቲ’ውን ህዝቢ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብርን ምኽርታት ሰብ-ሞያን መምርሒታት ምምሕዳርን ክሰምዕ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG