ንፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ዩን ሱክ ዩወል ኣሲሮም ክምርምሩ ዝፈተኑ ኣባላት ኣጻራዪት ኮሚተ እታ ሃገር፡ ኣብ መንበሪ ገዛኡ ንሽዱሽተ ሰዓታት ድሕሪ ዝጸንሐ ምትፍናን፡ ተስፋ ቆሪጾም ነቲ ፈተነ ኣዋዲቐሞ።
ኣብ መንበሪ ገዛኡ ብኣሽሓት ደገፍቱን ሓለዋኡን ተኸቢቡ ዘሎ እቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበር ሱን፡ “ጸረ-ሃገር” ኢሉ ንዝጸውዖም ሓይልታት “ክሳብ መወዳእታ ክንልቃለሶም” ኢና ኢሉ ንደገፍቱ ድሕሪ ምትብባዑ፡ ጭርሖታት ሒዞምን ነቲ ዛሕሊ ተጻዊሮምን ካልእ ብደገ ዝኣቱ ሰብ ከይህሉ ድፋዕ ሰሪሖም፡ ኪንዮ 200 ሜትሮ ምቕራብ ከሊኦም።
ምስቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣከራኻሪ ሓጺር ወታሃደራዊ ኣዋጅ ዝተሳተፉ ብዙሓት ተኣሲሮም’ዮም። መርማሪ ኮሚሽን ድማ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፈተነ ተስፋ ምስ ቆርጸ ንግዜያዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብቕልጡፍ ዝትግበረሉ ውሳነ ክህብ ይጽውዑ ኣለዉ።
ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምሕደራ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ክሲ ናዕቢ፡ ተመስሪቱሉ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር፡ ገበነኛ ኰይኑ ምስ ዝርከብ ካብ ሕልፈት ክሳብ ናይ ሞት ማእሰርቲ ይጽበዮ።
ቅጥዒ