ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር፡ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝተኣሰሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ስድራቤቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቶም ኣባላት ስድራ ከም ዝብሉዎ፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት እናደወሉ፡ “ነቶም እሱራት ንፍታሕ ነፍሲ-ወከፎም 100 ሽሕ ብር ይሓቱና ኣለው” ኢሎም። ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ “ብዛዕባ እቲ ዝተሓተተ ገንዘብ ኣፍልጦ የብለይን፣ እቶም እሱራት ፍትሒ ንኽረኽቡ ግን ንዝምልከቶም ሰበስልጣን የዘራርብ ኣለኹ፡” ይብል።
ቅጥዒ