ዝተሓደሰ--ኣብ ከተማ ኒው-ኦርሊንስ፡ ልዊዝያና ዘዋሪ መኪና ናብ እኩብ ህዝቢ ብምእታው፡ ብውሑዱ 10 ቀቲሉ ንልዕሊ 33 ድማ ከም ዘቝሰለ ንምንጭታት ህጹጽ ሓደጋ እታ ከተማ ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።
መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝሓበሩዎ፡ ዘዋሪ እታ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ናብቲ እኩብ ህዝቢ ብኣዝዩ ልዑል ናህሪ ድሕሪ ምእታዉ፡ ጸኒሑ ካብታ መኪና ብረት ኣውጺኡ፡ ምስቶም ዝትኩስሉ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዝጀመረን፡ ንርእኡ ቅድሚ ምማቱ ድማ ክልተ ካብኣቶም ከም ዘቝሰለን ሓቢሮም።
ፖሊስ ድፍኢት ናይቲ ተግባርን መንነት ጥርጡርን ኣይጠቐሰን። ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፖሊስን ነቲ "ተግባራት ግብረ-ሽበራ" ክብሉ ብትሪ ኰኒኑሞ። ፈደራላዊ መርመራ ገበን ኣመሪካ (FBI) የጻርዮ ምህላዉ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ሰባት ናብ ሓሙሽተ ሆስፒታላት ተወሲዶም ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ምህላዉ ተፈሊጡ።
እቲ ሓደጋ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ተወዲኡ፡ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ንስፖርታዊ ውድድር ኢሉ ናብታ ከተማ ኣብ ዝወሓዘሉ እዋን’ዩ ሰዓት 3፡15 ኣጋ-ወጋሕታ ኣጋጢሙ።
ቅጥዒ