ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ሲዳማ -- “ብሰንኪ ሓደጋ ናይ ጽዕነት መኪና 70 ሞይቶም” ኣመሓዳሪ


ኣብ ቦና ዝተባህለ ናይ ምብራቕ ሲዳማ ዞባ፡ ብሰንበት ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 71 ሰባት ምማቶም ሰብ-መዚ እቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቲ ሓደጋ ኣብ ጋላና ዝብሃል ፈለግ ካብ ሃዋሳ ኣስታት 125 ኪሎሜተር ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ከም ዘጋጠመ ኣማሓዳሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ማተ መንገሻ ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊሉ።

እቲ ሓደጋ፡ ካብ መርዓ ንዝምለሱ ዝነበሩ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና መስመራ ስሒታ ናብ ምስ ድልድል ፈልግ ጋላና ድሕሪ ምግጫዋ’ዩ ኣጋጢሙ። መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ካብ መርዓ ዝምለሱ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሕርሻ ቡን ዝሰርሑ መንእሰያት ምዃኖም ኣማሓዳሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ማተ ንድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ነጊሩ።

ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ 68 ደቂ-ተባዕትዮ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሰለስተ ድማ ደቀንስትዮ ምንባረን እቲ ኣማሓዳሪ ንድምጺ ኣመሪካ ወሲኹ ነጊሩ።

ዳይረክተር ከባቢያዊ ሆስትፒታል ቦና፡ ኣሸናፊ ብሊሶ ብዘይካ እቶም ብቐጥታ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ፡ ተወሳኺ ኣርባዕተ’ውን ኣብ ከቢድ ኩነታት፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከም ዘሎ ብስልኪ ነጊሩ።

ንሱ ከም ዝገልጾ፡ እቶም ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ዝርከቡ ጉድኣት፡ ንዝያዳ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ሆስፖታል ሃዋሳ ተላኢልኾም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG