ኣብ ሰንዓ ብስራሕ እንከሎ፡ ካብ እስራኤል ብዝተተኰሰ ደብዳብ ንገለ ካብ ኣባላቱ ከም ዝሃረመ ዝገለጸ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ንሱ ግን ውሑስ ከም ዘሎን ዝዀነ መጉዳእቲ ከም ዘየጋጠሞን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣካፊሉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ዶክተር ቴድሮስ ሓደ ካብ ኣባላት ዝተጓዓዘላ ነፋሪት ክህረም እንከሎ፡ ብውሑዱ ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ዝጸንሑ ክልተ ሰባት ድማ ሞይቶም።
ዶክተር ቴድሮስ ናብ የመን ዝተጓዓዘ ንኹነታት ዝተኣስሩ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምዝርራብን ኩነታት እቲ ሃገር ንምግማምን’ዩ።
ሎሚ ሓሙስ ዑደቱ ወዲኡ ክምለስ እናተቓረበ’ዩ እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ካብ እስራኤል ደብዳብ ዝወረዶ።
መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ነቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ናብ ርእሰ-ከተማ ሰንዓ ዝዓለመ ድሮ ሽዱሽተ ደብዳባት ተኻዪዱ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሑቲ መኽዘን ኣጽዋር ንዝጥቀሙሉ ስፍራ ከም ዘነጻጸረ’የ እስራኤል እትገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ’ውን እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ወሃብ-ቃል ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ግን ነቲ መጥቃዕቲ እስራኤል “ገበናት ጽዮናታዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን” ክብል ኰኒኑ ኣሎ።
ሑቲ ደጋጊሞም ናብ እስራኤል ዝቐንዐ ደብዳብ ምክያዶም ይዝከር።
ቅጥዒ