ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ምምሕዳር ሶርያ፡ ኣብ ትውልዲ ቀቢላ ኣሳድ ዝቐንዐ ወፍሪ ጀሚሩ


ተዛማዲ ርግኣት ዝርኣየሉ ዘሎ ከተማ ደማስቆስ
ተዛማዲ ርግኣት ዝርኣየሉ ዘሎ ከተማ ደማስቆስ

ሓድሽ ምምሕዳር ሶርያ፡ ታርቶስ ኣብ ዝብሃል ኣውራጃ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር፡ “ትርፍራፍ ስርዓት ኣልኣሳድ ንምቕራም” ኢሉ ዝሰየሞ ወታሃደራዊ ስርሒትን ሃድንን ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ 14 ኣባላት ፖሊስ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣብቲ ደቂ ቀቢላ ኣሳድ ዝዀኑ ህዝቢ ዓለዋይት ኣብ ዝነብርሉ ኣውራጃ ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ።

እቲ ኣውራጃ፡ ኣብቲ ንምውራድ ኣሳድ ዝተኸይደ ኲናት እቶም ዝተረረ ግብረ-መልሲ ዘርኣዩን ድፋዖም ንምፍራስ ዝኣበዩን’ዮም ነይሮም።

ኣብ ካልን ሆንስ ዝተባህለ ከተማ’ውን ህዝቢ በቲ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ተቓውሞ ድሕሪ ምስማዑ፡ ትማሊ ረቡዕ ሰዓታት እቶ-እቶ ተኣዊጁ ምህላዉ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ብሰንበት ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኾማኒ፡ መንእሰያት ሶርያ ዓጢቖም ነብሶም ክከላኸሉ ጸዊዑ። ሓድሽ ምምሕዳር ሶርያ ድማ ኢራን ካብ ጉዳያት ሶርያ ኢዳ ካብ ምእታው ክትቁጠብ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዮርዳኖስ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ሶርያ ሓቢራ ክትሰርሕ ንዘለዋ ድሌትን ቅሩብነትን ገሊጻ ኣላ። ኣብ እዋን ምምሕዳር ኣሳድ፡ ብሕዝቦላህ እተዕቁብ ዮርዳኖስ፡ ቀንዲ ድፋዕን ወሃቢት ድጋፍ ሓይልታት ኣሳድን’ያ ነይራ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG