ተቓዋሚ ሰልፊ ደቡብ ኮርያ፡ ንመሰጋገሪ ፕረዚደንት ሃን ዱክ-ሱ ካብ መዝነቱ ንምእላይ ሎሚ ሓሙስ ክሲ መስሪቱ። ብ14 ታሕሳስ ካብ መዝነቱ ብኽሲ ንዝተኣልየ ፕረዚደንት ዩን ሱክ የውል ተኪኡ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሃን ዱክ-ሱ፡ ነቲ ንኽሲ እቲ ፕረዚደንት ኣመልኪቱ ንዝቐረበ ጥርዓን ፈሪሙ ከሕልፎ ስለ ዘይክኣለ’ዩ እቲ ናይ ምውራድ ክሲ ዝቐርበሉ ዘሎ።
ብመሰረት ሕጊ ደቡብ ኮርያ፡ ፕረዚደንት ተኸሲሱ ካብ መዝነቱ ክወርድ እንተዀይኑ ሽዱሽተ ካብቶም ትሽዓተ ደያኑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ክድጉፍዎ ኣለዎም። እንተዀነ እቲ ቤት ፍርዲ ሰለስተ ካብቶም ዝድለዩ ደያኑ የብሉን። ግዜያዊ ፕረዚደንት ሃን ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ደያኑ ክምዝዝ ዘይምድላዩ እምበኣር ካብቲ ካልእ ብተቓወምቲ ዘኽስሶ ዘሎ’ዩ።
መደባት ተቓወምቲ ሰልፊ እንተ ሰሊጡ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ ክልተ ሰሙን ውሽጢ ክልተ ግዜ ንፕረዚደንት ካብ መዝነቱ ብኽሲ ብልሽውና ከተውርድ’ያ።
ኣብ ካልእ ምዕባለ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ዩን በቲ ዘሕለፎ ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምሕደራ ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሲሱ ኣሎ። ገበነኛ ኰይኑ ምስ ዝርከብ ካብ ዕድመ-ምሉእ ማእሰርቲ ክሳብ ናይ ሞት ብይን ይጽበዮ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።
ቅጥዒ