ኣገልግሎት ዜና ሶማሊያ ናይ ቢቢሲ፡ "ዓብድልቃድር እድሪስ" ብዝብል ስም ዝረቝሖን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣማኻሪ ጉዳያት ሶማሊያን ኢሉ ዝጠቐሶን ሰብ ብምውካስ፡ ሃገሩ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ዘለዋ ተቓውሞ ከም ዝገለጸ ጸብጺቡ።
ቢቢሲ ቋንቋ ሶማሊያ ከም ዘስፈሮ፡ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ እትደሊ ኰይና፡ ንዕኡ ሶማሊያ ምስ እትህባ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ክብተኽ ምዃኑ’ዩ እቲ "ዓብደልቃድር" ዝተሰምየ ሰብ ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነቲ ዜና “መሰረት ኣልቦ’ዩ” ክብል ገሊጹ። እቲ ዝተጠቕሰ ሰብን ከምኡ ዝብሃል መዝነት ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ከም ዘየለ ዝሓበረ ሚኒስተር የማነ፡ “ኤርትራ ምስ ሶማሊያ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ንምብታኽ ኣይፈተነትን፡” ክብል መሊሱ።
ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቢቢሲ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ቅጥዒ