መቐለ —
“ኣብ ክልል ትግራይ ሓዱሽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምጅማር ህወሓት ወሲኑ፡” ኢሎም ኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረመካኤል ኣብቲ ኣብ መቐለ ንላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ መድረኽ። ብኻልእ ወገን፡ ሰለስተ ውድባት እቲ ክልል፡ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ትግራይ ዘካየድዎ ዳህሳስ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ህወሓት ዕጥቂ የዕጥቕ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም። ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ዝሓተትናዮም ብዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝምራሕ ህወሓት ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ዝኾኑ ዶክተር ፍስሃ ሃብተፅዮን ግን ነቲ ክሲ ነፂጎሞ ኣለዉ። ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ቀጽሉ
ቅጥዒ