ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ንሰላም ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ’ሎ። እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝካየዱ ውግኣት ዝወርድ ዘሎ ሰብኣዊ ጉድኣት የሻቅለና’ሎ ብዝብሉ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተኻየዱን እቲ ጎንፅታት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝፅውዑን ምንባሮ ተገሊፁ’ሎ።
መንግስቲ ዘቕረቦ መፀዋዕታ ሰዒቡ ሎሚ ኣብ ከተማታት ደሴ፡ ባህርዳርን ጎንደርን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝተኻዱ’ዞም ሰልፍታት “ሰላም ንኹሉ ኹሉ ንሰላም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየድዱ ምዃኖም ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ፖሊስ’ቲ ክልል ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ስቓይ ዘረፋን ምምዝባልን ‘ፅንፈኛ’ ክብል ንዝፀወዖ ኣካል ተሓታቲ ብምግባር’ቶም ሰልፍታት ብሰላም ምዝዛሞም ገሊፁ’ሎ።
ብኻልእ ወገን ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማታት ደሴን ወልድያን ሎሚ ረቡዕ ድማ ኣብ ከተማ ባህርዳር ፈንጂ ከም ዝተተኮሰ ንድምፂ ኣመሪካ ምስክርነቶም ዘካፈሉ ነበርቲ ገሊፆም። በቲ ፍንጀራ ፈኪስ መቁሰልቲ ዘጋጠመም ሓሙሽተ ሰባት ተሓኪሞም ናብ ኣባይቶም ምምላሶም’ዉን ሓቢሮም ከም ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ ካብ ደሴ።
ቅጥዒ