ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃን ሞዛምቢክን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ኣመልኪቶም ይዛራረቡ


ንቐንዲ ንግዳዊ መስመረ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓጸወ ተቓውሞ ሞዛምቢክ
ንቐንዲ ንግዳዊ መስመረ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓጸወ ተቓውሞ ሞዛምቢክ

ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣከራኻሪ ሃገራዊ ምርጫ፡ እቲ ግጭት ናብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ-ኣፍሪቃ ከይልሑኽ’ውን ስለ ዝተሰግአ፡ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ሞዛምቢክ ኣብ ዶባት ክልተ ሃገራት ተራኺቦም።

ቤት ምኽሪ ሕገ-መንግስቲ ሞዛምቢክ ንውጽኢት ምርጫ ጥቅምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ክግብር ምዃኑ ብሰኑይ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብቲ ምርጫ 20% ጥራይ ከም ዝረኸበ ዝተገልጸ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር፡ ነቲ ዝተባህለ ድምጺ ወግዓዊ እንተዀይኑ፡ እታ ሃገር ናብ ሕንፍሽፍሽ ክመርሑዋ ምዃኖም ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣብቲ ምርጫ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ሰልፊ ፍረሊሞ ብ71% ምዕዋቱ’ዩ ተገሊጹ።

ንሚኒስተር ውሽጢ ሃገር ንዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሞዛምቢክ ዘዘራርብ ዘሎ ጉጅለ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፍልልያቶም ብሰላም ፈቲሖም እቲ ጎንጺ ናብ ጎረቤት ሃገር ከም ዘይልሕም ክግበር መዘኻኸሪ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ወገኑ ብ53% ከም ዝተዓወተ ዝግለጽ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ብዝገበሮ ጻውዒት፡ ንሰሙናት ብዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፍታት ነታ ሃገር ኣደስኪሉ ኣሎ። ምስቲ ምርጫ ተኣሳሲሩ ብውሑዱ 130 ምማቶም ንምንጭታት ኣምንስቲ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ።

ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ እቲ ምርጭ ርትዓዊ ዘይንባሩ’ዮም ዝሕብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG