ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅድሚ ዋይት-ሃውስ -- ጋዜጣዊ መግለጺ ትራምፕ ካብ ማራላጎ


ቅድሚ ምእታው ዋይት-ሃውስ -- ጋዜጣዊ መግለጺ ትራምፕ ካብ ማራላጎ
please wait
  • Auto
  • 240p
  • 360p
  • 480p
  • 720p
  • 1080p

No media source currently available

0:00 4:08 0:00
  • Auto
  • 240p
  • 360p
  • 480p
  • 720p
  • 1080p

ቅድሚ ምእታው ዋይት-ሃውስ -- ጋዜጣዊ መግለጺ ትራምፕ ካብ ማራላጎ

ተመራፃይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዓወቶም ንፈለማ ግዜ ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረቡ ብዙሓት ሕቶታት ዝምልስ ትማሊ ሰኑይ ኣብ መንበሪኦም ማራላጎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሓያሎ ኣብ ምምሕዳሮምን ሽመት ካቢኖኦምን ኣዘራረብቲ ዝዀኑ ምላሽ ሂቦም ኣለዉ። ትራምፕ ንዓለማዊ ጉዳያት ከም ጉዳይ ኲናት ዩክሬንን ሶርያን’ውን መርገጺኦም ኣነጺሩ ኣሎ።

ንጉዳይ በበይኑ ግጭታት ዓለም ኣመልኪቱ መብርሂ ዝሃበ ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ዛጊት ካብ ዘሎ ግጭታት እቲ ዝኸፍአ ኲናት ዩክሬን ምዃኑ ሓቢሩ። ትራምፕ ኣብ ዘረባኡ ነቲ ብምምሕዳር ባይደን ዝተገብረ ናይ ርሑቕ ሚሳይል ንዩክሬን ምዕጣቕ’ውን ነቒፉ’ዩ።

“ናብ ውሽጢ ሩስያ 200 ማይላት ኣትዩ ዝሃርም ሚሳይል ክፍቀደሎም ኣይነበሮን። እዚ ድማ ንሰራዊት ሰሜን ኮርያ ናብቲ ኲናት ከም ዝኣትዉ ገይሩ። ሰሙናት ናብ መዝነት ቅድሚ ምምጻአይ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ምውሳዶ ጌጋ’ዩ። ክሕተት ነይሩኒ፡”

ትራምፕ መዝነት ድሕሪ ምሓዙ ነቲ ዩክሬን ናብ ውሽጢ ሩስያ ንምህራም ዘኽእላ ሚያስል ክልውጦ ከም ዝኽእል ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። ብጋዜጠኛታት፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮድልየመር ዘለንስኪ እንታይ ክገብር ከም ዝግበኦ ዝተሓተተ ትራምፕ፡ “ድሮ ብዙሕ ደም ፈሲሱ ኣሎ። ብዙሕ ሰብ ከኣ ሞይቱ ኣሎ፡ ዝበለ ትራምፕ፡ ዘለንስኪን ፑቲንን በብወገኖም ነቲ ኲናት ንምዕራፍ ምርድዳእ ክግብሩን ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ንጉዳይ ሶርያ ኣመልኪቱ’ውን ሓሳባቱ ኣካፊሉ ነይሩ ትራምፕ፤ “ከም ዝመስለኒ ኣብ ሶርያ ሕጂ ብዙሓት ጨናፍር ኣለዉ። እንታይ ከም ዝስዕብ ክፈልጥ ዝኽእል ድማ የሎን። እንተዀነ መፍትሕ ናይ ሶርያ እትሕዞ ቱርኪ’ያ ክትከውን። እዚ ካብ ካልኦት ወገናት ዝሰምዕኩሞ ኣይመስለንን። ግን ከምኡ’ዩ ኣናብባይ።”

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG