ድሕሪ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ኣሳድ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሶርያውያን ኣብ ፈለማ መፋርቕ ናይዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ኣብ ዝደሓረ፡ ን14 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ተቐቲሎም፡ ፍርቂ ህዝቢ ድማ ንስደት ኣምሪሑ’ዩ።
ሓድሽ ለውጢ ዓቢ ተስፋ ኣሕዲሩ ከም ዘሎ ዝሓበረ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ምልዋጥ ስርዓት ንዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ገና መሊእካ ክትዛረብ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፡ ብዘይድሌቱ ናብ ሶርያ ዝምለስ ስደተኛ ከይህሉ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣዘኻኺሩ።
ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣሳድ፡ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ሕቶ ምቕባል ዑቕባ ሶርያውያን ደው ዘበላ ኰይነን፡ ገለ ሕሉፋት የማናውያን ድማ ሶርያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክሳብ ምብራር ዝብል እማመ ኣቕሪቦም ነይሮም።
እንተዀነ ግን ኩነታት ሶርያ ከም ዘይረግአ ዘመልከተ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዙሓት ንሃገሮም ክምለሱ ምድልዋት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ጥራይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን--መብጻሕትኦም ቆልዓ-ሰበይቲ--ከም መንበሪታቶም ተመዛቢሎም ምህላዎም ይሕበር።
ቅጥዒ