ምኽትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ካናዳ ዝጸንሐት ክርስቲያ ፍሪላንድ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጃስቲን ትሩዶ ኣብ ጉዳይ ግብሪ ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስለ ዘይተሰማምዐት ሎሚ ሰኑይ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ፍሪላንድ ካብ 2020 ኣትሒዛ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ኰይና ብደረጃ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ክትሰርሕ ዝጸንሐት’ያ። ኣብቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዝተገብረ ርክብ፡ ትሩዶ ነታ ሚኒስተር ፋይናንስ ናብ ካልእ መዝነት ክትልወጥ ኣመልኪቱላ ነይሩ’ዩ። ሚኒስተር ነበር ፍሪላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ብዙሕ ጉዳያት (ብቐንዱ ንሓድሽ እማመ ታሪፍ ምምሕዳር ትራምፕ) ከም ዘይተሰማምዑ ኣብቲ ደብዳበ ገሊጻ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳ ዝኣቱ ንብረት ናይ 25 ወሰኽ ግብሪ ከም ዝግብር ኣፍሊጡ’ዩ።
እቲ ሚኒስተር ነበር ኣብ ቀረባ ግዜ ንእማመ ትራምፕ ዝምልስ መስመር ከተናዲ እጃም ተዋሂቡዋ ጸኒሑ።
ካናዳ 75% ናይ ዓመታዊ ሰደዳ ናብ ኣመሪካ’ያ እትልእኽ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።
ቅጥዒ