ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክሲ ዝተመስረተሉ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኣብ መርመራ ምትሕብባር ይኣቢ


ፕረዚደንት ዩን ካብ መዝነቱ ክውርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ
ፕረዚደንት ዩን ካብ መዝነቱ ክውርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ

ክሲ ምውራድ ስልጣን ዝተመስረተሉ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዪወል፡ ብዛዕባ`ቲ ዝኣወጆን ንሓጺር ግዜ ዝጸንሐን ወተሃደራዊ ምሕደራ፡ ንዝቐረበሉ ዘሎ ሕቶታት ምምላስ ይኣቢ ምህላዉ ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣስፊሩ። ሕገ-መንግስታዊ ቤት ፍርዲ`ታ ሃገር፡ ነቲ ፕረሲደንት ንምውጋድ ወይ ንኽቕጽል ንምውሳን ሎሚ ሰኑይ ፈላማይ ኣኼብኡ ገይሩ ነይሩ።

ንፖሊስ፡ ጸረ-ብልሽውና ትካላት፡ ከምኡ`ውን ሚንስትሪ ምክልኻል ዝሓቖፈ መርማሪ ጉጅለ፡ ፕረዚደንት ዩን ኣብ ስልጣኑ ንምጽናሕ ናይ ሓይሊ ስልጣን ተጠቒሙ እንተኾይኑ ይምርምሩ ኣለዉ። እንተኾነ ኣባላት ቤት ጽሕፈት`ቲ ፕረሲደንት ሕቶታት ንምምላሽ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ይብሉ ኣለዉ እቶም መርመርቲ።

ዩን፡ ዝሓለፈ ቀዳም በቲ ብተቓወምቲ ዝዕብለል ፓርላማ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ክሲ ዝተመስረተሉ ክኸውን ከሎ፡ ስልጣኑ`ውን ንኽጎድል ድሮ ተወሲንሉ`ሎ።

ኣማኢት ኣሸሓት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ጽርግያ ወጽዮም`ዮም -- እቲ ፕረሲደንት ካብ ስልጣን ክወርድ ንምጽዋዕ። ካብ ስልጣኑ እተወሪዱ፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱ ሓድሽ ፕረዚደንት ክምረጽ ሕጊ ደቡብ ኮርያ ይእዝዝ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG