ቁጠባዊ ደምበ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ)፡ ንሰለስተ ዕልዋ ዝገበራ ሃገራት ማሊ፡ ኒጀርን በርኪናፋሶን ኣብቲ ደምበ ክጸንሓሉ ዝኽእላሉ ዕድል ኣናዊሑ።
እቲ እማመ ዝስማዕ ዘሎ እቲ ድምበ ካብ ምግምማዕ ንምድሓን ንዳርጋ ሓደ ዓመት ናይ ሽምግልና መስርሕ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ`ዩ።
ኮሚሽር ኢካዋስ ዖማር ቶራይ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ኢኮዋስ ዝቕጽላሉ ዕድል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ዘብቅስዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ እንተዀነ ነቲ ገደብ ግዜ ክሳብ 29 ሓምለ 2025 እቲ ደምበ ክፉት ክጸንሕ ተወሲኑ ኣሎ ኢሉ- ከም ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ።
ብወተሃደራዊ ደርግ ዝምርሓ ዘለዋ ኒጀር፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ካብ ኢካዋስ ከም ዝወጻ ከፍልጣ ጸኒሐን ኣለዋ። እቲ 15 ሃገራት ዝሓዘ ደምበ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዝምስረት ዳርጋ 50 ዓመት ጌሩ`ሎ።
ቅጥዒ