ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ከፊላዊ ምምሕዳር ሒዞም ዝጸንሑ ኩርዳውያን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩሉ ግጭታት ክዓርፍ ብምጽዋዕ፡ ናብቶም ኣብ ደማስቆ ስልጣን ዝሓዙ ናይ ሰላም ኢዶም ዘርጊሖም- ከም ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ።
ሓላፊ ምምሕዳር ኩርዳውያን፡ ሑሴን ዖትማን፡ ሃናጽን ሃገር-ለኻዊ ልዝብን ንምጅማር ኣብ ምልእቲ ሶርያ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ጠጠው ክብል ይግባእ ኢሉ።
ብኻልእ ወገን ግን፡ ደገፍቲ ኣንካራ ዝብሃሉ ጉጅለታት ኣንጻር ሓይልታት ኩርዲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ማንቢጅን ጣል ሪፋትን ዝብሃላ ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸሩ ይገልጹ`ለዉ።
ቱርኪ ሕጂ ብምውዳቕ ባሻር ኣል-ኣሳድ ካብ ዝተሓጎሳን ኣብ ደማስቆ ቀልጢፈን ኤምባሲ ካብ ዝኸፈታን ሃገራት ሓንቲ`ያ።
ኩርዳውያን ኣብ ግዜ ስልጣን ስድራቤት ኣሳድ ንልዕሊ 50 ዓመታት ከም ዝተጨቆኑ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ሕጂ `ውን ነቲ ብኽንደይ ቃልሲ ዝረኸብዎ ከፊላዊ ርእሰ-ምምሕዳር ከይስእኑዎ ሻቕሎት ኣለዎም ይብል ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ።
ቅጥዒ