ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፑቲን -- "ደምበ ምዕራብ ንቐይሕ መስመር ይደፍኡና ኣለዉ"


ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን፡ ምዕራባውያን ናብ ቀይሕ መስመር ገጾም ይደፍኡና ኣለዉ ክብል ከሲሱ። ንሓደ ኣኼባ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ዝተዛረበ ፑትን፡ ሩስያ ፡ ኣመሪካ ዝተገብሮ ዘላ ምትካል ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ብሸለልታ ከም ዘይትርእዮ ኣጠንቂቑ።

ኣመሪካ በቲ ትሓስቦ ዘላ ምትካል ሚሳይላት እንተቐጺላ፡ ንሕና`ውን ብፍቓድና ደሪትናዮ ዝበርና ሚሳይላትና ክነበራብሮ ኢና ኢሉ ብምስዓብ ከም ጸብጻብ ሮይተርስ።

ሓይልታት ሩስያ ኣብዚ ዓመት`ዚ ጥራሕ ን189 ሰፈራታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከም ዘእተዉ ዝገለጸ ፑቲን፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ሩስያ ናይ ምብርዓን ዕማም ሒዞም ኣብቲ ቦታ ኣለዉ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG