ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኤርዶዋን ናብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ክበጽሕ ምዃኑ ሓቢሩ


ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ፕረዚደንት ኤርዶዋንን ፕረዚደንት ሸኽ ሓሰንን
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ፕረዚደንት ኤርዶዋንን ፕረዚደንት ሸኽ ሓሰንን

ንምትፍናን ሶማሊያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣንካራ ዝሸምገለ ፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠዪብ ኤርዶዋን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብተን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ መደብ ከም ዘለዎ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ።

ነቲ ግጭት ብ11 ታሕሳስ ኣብ ኣንካራ ዝሸምገለ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ ናይዛ ክልተ ሰሙናት ተሪፉዋ ዘሎ ሓዳስ ዓመት ከም ዝገይሽ’ዩ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ኤርዶዋን ኣብቲ “ታሪኻዊ” ኢሉ ዝጸውዖ መስርሕ ሽምግልና፡ ነቲ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ምትፍናን ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መደምደምታ ከም ዘብጽሐ ይሕበር። ኣብቲ ኣዋጅ ኣንካራ ዝተሰምየ መግለጺ፡ ክልተ ሃገራት ንልኡላዊ ሓድነትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ብዘኽብር መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምጥቃም ከም ዝተሰማምዓ’የን ኣመልኪተን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ'ቲ ትስፉው መስርሕ ሽምግልና፡ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ናብ ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ብስልኪ ደዊሉ ከም ዘዘራረቦን ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ድሌትን ተበግሶን’ውን ከም ዘለዎ ኣካፊሉ ኣሎ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG