ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶርያ -- ደማስቆስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓለስቲ፡ ፕረ. ኣሳድ ሃዲሙ


ጽንብል ምውዳቕ ስርዓርት ኣሳድ
ጽንብል ምውዳቕ ስርዓርት ኣሳድ

ተቓለስቲ ሶርያ ድሕሪ ናይ 10 መዓልታት ጽዑቕ ኲናት ሎሚ ንርእሰ-ከተማ ዶማስቆስ ተቖጻጺሮም፡ ንኣስታት 50 ዓመታት ዝቐጸለ ምምዳር ስድራቤት ኣሳድ ኣብ መኸተምታ ኣብጺሖም ኣለዉ። እቶም ተቓለስቲ ኣብ ሃገራዊ ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ምምሕዳር ኣሳድ ተገልቢጡ እሱራት ድማ ናጻ ምልቃቖም ገሊጾም።

ፕረዚደንት በሺር ኣልኣሳድ ሰንበት ንግሆ ብነፋሪት ገይሩ ካብታ ሃገር ከም ዝወጽአ ምንጭታት ይገልጹ። ናበይ ከም ዝቐንዐ ግን ዛጊት ኣይነጸረን። እታ ንነዊሕ እዋን ክትሕግዞ ዝጸንሐት ሩስያ ግን ፕረዚድነት ኣሳድ ምስቶም ተቓወምቲ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብን ናይ ስልጣን ምስግጋር ዝርርብን ካብታ ሃገር ምውጻኡ ኣመልኪታ ኣላ።

ወታሃደራዊ እዚ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ ካብ ሎሚ ሰንበት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዶማስቆስ ካብ ሰኑይ ሰዓት 5፡00 ወጋሕታ ሰዓታት እቶ-እቶ ኣዊጁ ኣሎ። እንተኾነ ደማስኮቆስ ሰንበት ብምውዳቕ ስርዓት ኣሳድ ሓጎሶም ዝጽንብሉ’ያ ኣዕለቕሊልቓ ውዒላ።

ተዓዛቢ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ወገናት፡ ሰለማዊ ምስግጋር ክህሉን ጎንጺ ክሃድእን ይጽውዑ ኣለዉ።

ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሶሻል ትሩዝ ኣብ ዝጸሓፎ “ኣመሪካ ኣብዚ ኲናት’ዚ ኢድ የብላን፡ ኣካሉ ድማ ኣይክትከውንን’ያ፡” ኢሉ። ብተመሳሳሊ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ምምሕዳር ባይደን ዝኾነ ጄክ ሱሊቫን፡ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ሶርያ ከም ዘይትጽንበርን ሰራዊት ከም ዘይተሳትፍን ብቐዳም ኣብ ካሊፎርኒያ ኣብ ዝነበሮ ኣጋጣሚ ጠቒሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG