ኒው-ዮርክ —
ዋና ኣካይዲ ስራሕ ናይ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ መድሕን ጥዕና ናይ ዝዀነ ዩናይትድ-ሄልዝከር (UnitedHealthcare) ብርያን ቶማስ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ብሓደ መንነቱ ዛጊት ዘይተፈልጠ ሰብ ኣብ ኒው-ዮርክ ተቐቲሉ። እቲ ወዲ 50 ዓመት ዋና-ኣካያዲ ስራሕ ኣብቲ ንኣኼባ ዝመጽኦ ሂልተን ሆቴል’ዩ ተቐቲሉ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ።
ኣድብዩ ክጽበዮ ጸኒሑ፡ ድሕሪ ቅትለት ገጹ ብዝሸፈነ ሰብ፡ ብመኪና ገይሩ ካብቲ ቦታ ምስዋሩ መሰኻኽር ይገልጹ።
ከንቲባ ከተማ ኒው-ዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ ነቲ ቀቲሉ ዝተሰወረ ሰብ ካልእ ዝተሓለለኸ ጠንቂ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ። ፖሊስ ግን ዛጊት ዝርዝር ናይቲ ምኽንያትን ቀታሊን ኣይጠቐሰን።
ዩናይትድ ሄልዝከር ነቲ ብመንግስቲ ዝድገፍ ሜዲኬር ዝተባህለ ንድኻታት ዝሕግዝ መደብ መድሕን ዝዓበየ ብጽሒት ዘለዎ ትካል ምዃኑ’ዩ።
ቅጥዒ