ኣብ ፖርት-ፕሪንስ ርእሰ-ከተማ ሀይቲ፡ ፖሊስን ነባሪ ህዝቢን ብምትሕብባር፡ ንኣባላት ጉጅለ ዓዋሉ ኢሎም ዝጠርጠሩዎም ብውሑዱ 25 ዜጋታት ብእምኒ፡ ጎዘሞን ኣባትርን ገይሮም ከም ዝቐተሉ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ነበርቲ ሓደ ገዛውቲ፡ ነቲ ከባቢ ከሊሎም ብምሕጻር ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝተታሕዙ ነበርቲ እቲ ገዛውቲ ዘይኰኑ ወገናት ቀጥቂጦም ከም ዝቐተሉ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።
ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዝሓሸ መነባብሮ ዘለዎም ነበርቲ ዝቕመጡሉ ገዛውቲ፡ ባዕላቶም እቶም ገዛውቲ ሓይሊ ጸጥታ ኣቚሞም ነብሶም ንምሕላው ከም ዝተበገሱ እቲ ዜና ይሕብር።
ወሃብ-ቃል ፖሊስ፡ ኣብቲ ወፈራዊ መጥቃቲ ልዕሊ 30 ኣባላት ጉጅለ ዓዋሉ ምቝሳሎም ሓቢሩ። ኣባላት ፖሊስ ካብቲ ከባቢ ከምልጡ ንዝፈተኑ ኣባላት እቲ ፍጭራ ምሓዞም’ውን እቲ ወሃብ-ቃል ሓቢሩ። ተመሳሳሊ ህዝባዊ ወፈራ ኣብ ካልእ ገዛውቲ’ውን ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ፖሊስ ዘመልክት።
ሀይቲ ሓይሊ ጸጥታኣ ስለ ዝፈረሰ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ህዝቢ ባዕሉ ዝመርሖምን ዝምውሎምን ናይ ከባቢ ሓለዋ ፖሊስ’ዮም ውሕስነት ጸጥታ ዝህቡ።
ቅጥዒ