ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሩጽ-ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንፒት ሄግሰት ሚኒስተር ምክልኻል ክኸውን ሓርዩ


ስእሊ ፋይል -- ሓድሽ ሕሩይ ሚኒስተር ምክልኻል ምስ ምሩጽ-ፕረዚደንት
ስእሊ ፋይል -- ሓድሽ ሕሩይ ሚኒስተር ምክልኻል ምስ ምሩጽ-ፕረዚደንት

ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶንላድ ትራምፕ፡ ናይ ዋይት-ሃውስ መንበር ድሕሪ ምውሓሱ፡ ኣብ ዝመጽእ ምምሕዳሩ ቍልፊ ቦታታት ንዝሕዙ ሰብ-መዚ ይረቍሕ ኣሎ። ካብ መንጎ’ቶም ወሰነቲ ቦታታት ዝዀኑ ድማ ንፒት ጌግሰት ሚኒስተር ምክልኻል ንምዃን ሓርዩዎ ኣሎ። ኣብ መደበር ቴለቪዥን ፎክስ ኣእንጋዲ ኰይኑ፡ ንዶላንድ ትራምፕ ኣብ መደባቱ ብዙሕ እዋን ዝዓደመ ወዲ 44 ሄግሰት: ኣቐዲሙ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ኣባል ሰራዊት ኣመሪካ ኰይኑ ዘገልግለ’ዩ።

ተሪር ዓቃባዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ዝግለጽን ኣብ ሰራዊት መዓርግ ካፒተን ዝበጽሐን ሄግሰት ነቲ 1.3 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ ባጀትን ብድምሩ ድማ ኣብ ንጥፉ ሰራዊትን ካልእ ዕቑር ሓይሊን ዘገልግሉ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ኣባላት ዘለዎ ዝዓበየ ሚኒስትሪ ንምምራሕ’ዩ ነዚ ሓድሽ መዝነት ክርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ዶንላድ ትራምፕ ንኣባል ባይቶ ተወካሊ ቴክሳስ ጆን ራትክሊፍ ዳይረክተር ማእከል ስለያ ኣመሪካ (CIA) ኰይኑ ንኽመርሕ ሓርዩዎ ኣሎ። ራትክሊፍ ኣብ ኣጋ-ምዝዛም ዝቐደመ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG