ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መጥቃዕቲ ድሮን ምብራቕ ጎጃም ብውሑዱ 43 ሰባት ቀቲሉ፡” ነበርቲ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ነበርቲ ምብራቕ ጎጃም፡ ብቐንዱ ድማ ከተማ ዝቢስት ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ሓይልታት መንግስቲ ብዝተተኰሰ ድሮናት ብውሑዱ 43 ሞይቶም ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።

ኣብ ሰሜን ጎጃም ኣብ እትርከብ ኣስታት 10-ሽሕ ነባሪ ዝቕመጣ፡ ከተማ ዝቢስት ኣብ መንጎ ሓይልታት ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ቀጥታዊ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣይነበረን ይብሉ። እንተዀነ ደብዳብ ሀሊኮፕተር ምንባሩ ድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይሕብሩ።

ኣብቲ ብ5 ሕዳር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮናት ኣብ ማእከል ዕዳጋ፡ ከባቢ ቤት ትምህርቲን ማእከል ሕክምናን ምውዳቑ እቶም ነበርቲ ይነግሩ።

ንድሕነቶም መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ መሰኻኽር፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ድሮን ምሉእ ነባሪ እታ ከተማ ቤት ሓዲጉ ናብ በረኻ ከም ዝሃደመን ንጽባሒቱ ድማ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበሎም ሰራዊት መንግስቲ ናብታ ከተማ ኣትዮም ኣባይቲ ከቃጽሉን ኣብኡ ዝጸንሖም ነባሪ ከጋፍዑን ምጅማሮም ይሕብር።

ንድምጺ ኣመሪካ ብሰልኪ ርእይቶ ዘካፈለ ነባሪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ድሮናት ካብ ቤተ ክርስትያን እናተመልሱ ከም ዘጋጠመን 8 ካብቶም ቤት ክርስትያን ተሳሊሞም ዝምለሱ ዝነበሩ ምቕታሎምን ይነግር።

ኣብቲ ኣብ ማእከል ሕክምና ዝሃረመ ቦምባ ድሮን ድማ ሓሙሽተ ነፍሰ-ጾራት ዝርከበኦም ተገልግልቲ ምቕታሎም ነበርቲ የካፉሉ። ካብ ግዳያት እቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ምዃኖም’ዩ።

ኣብታ ሓንቲ መዓልቲ፡ 5 ሕዳር ጥራይ ሬሳታት 43 ሰባት ምቕባሮም መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ድሒሩ ክሳብ 8 ዝበጽሑ ቆሲሎም ዝጸንሑ’ውን ምስዓቦም እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።

ብሰንኪ ባሕሪ ናይቲ መጥቃዕቲ ልክዕ ብዝሒ ዝሞቱ ኣጻሪኻ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ።

ሕጂ’ውን ንድሕነቶም መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል፡ ኣብቲ ማእከል ጥዕና ጥራይ 46 ሰባት ምማቶም ሓቢሮም። ብተወሳኺ 64 በቲ መጥቃዕቲ ድሮን ዝቖሰሉ ምንባሮም’ውን እቶም ንድምጺ ኣመሪካ ምስክርነት ዝህቡ ማእከላት ሕክምና ገሊጾም። ኣብቲ ሕክምና ኣገልግሎት ክህቡዎም ንዘይከኣሉ ቍስላት ብኣምቡላንስ ናብ ዝለዓለ ሕክምና ንምስዳድ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ብሓይሊ ጸጥታ ፈደራል ምምላሰን’ውን ብተወሳኺ ይነግሩ።

ነዚ ብሓያሎ መሰኻኽር ንዝተዘርበ መጥቃዕቲ ድሮናት፡ ድምጺ ኣመሪካ ካብ መሓዉራት መንግስቲ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ፈቲኑ ነይሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ቤት ጽሕፈት ዘድሊ መርመራ ክግብር ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቢሮ ኮምኒከሽን ክልል ኣምሓራን ወሃብ-ቃል መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉን ርእይቶኦም ንምስማዕ ድምጺ ኣመሪካ ዝግበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይቀንዖን።

ናይቲ ከባቢ ጨንፈር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ መርመራ የካይዱ ከም ዘለዉ ንድምጺ ኣመሪካ ነጊሮም። እቲ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ መጥቃዕቲ ድሮን ምስማዑ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ኣብቲ ጉዳይ እኹል መርመራ ስለ ዘይገበረ ግን መሊኡ ክዛረብ ኣይከኣለን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG